lirik.web.id
a b c d e f g h i j k l m n o p q r s t u v w x y z 0 1 2 3 4 5 6 7 8 9 #

lirik lagu abraham afewerki – semay

Loading...

ኩሉ ሓላፋይ’ዩ ኢለ ገሚተ
ስግር ጋሻ ውሕጅ ጠሚተ
እጽዕር ኣለኹ ብተስፋ

ነዛ ሕማቕ እዋን ክሓልፋ
እጽዕር ኣለኹ ብዓቕመይ
ቃልስ’ስ መናብርተይ’ዩ ናይ ቀደመይ
ንግዚኡ’ኳ እንተሓየለኒ
እስዕሮ’ምበር ኣይስዕረንን ጸገመይ
ተስፋ ኢዩ ደገፈይ፣ ተስፋ ኢዩ ሓይለይ
ደጋጊመ እጽዕር ክሳብ ዝሰምረለይ
ይጥዓም ይሕሰም ፍሽኽታ ኣመለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ፣ ኩሉ ጼይረ ፍሽኽታ ኣመለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ፣ ይጥዓም ይሕሰም ፍሽኽታ ኣመለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ፣ ኣይሕለልን ክሳብ ዝሰምረለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ፣ እስዕሮ’ምበር ኣይስዕረንን ጸገመይ
ናብራ ከቢዱኒ ‘ናማርረርኩ
ጥዕና ዘይብሉ ምስረኣኹ
ኣጸናኒዐያ ንነብሰይ
ኣረጋጊአዮ መንፈሰይ
ለካ ውሃቢ’ምበር ኣይኮንኩን ሓታቲ
ተጸባዪ ኣይኮንኩን ተመጽዋቲ
ጥዕና ኣይትኽልኣኒ ምስ ተስፋ
ትምረር’ምበር ሂወት ከሰንፋ
ምዃነይ እነኹ ኣሚነ
ዝሓዝኩዎ ሒዘ’ስ ኣመስጊነ
ፍሽኽታ ኣመለይ፣ ኩሉ ጼይረ ፍሽኽታ ኣመለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ፣ ይጥዓም ይሕሰም ፍሽኽታ ኣመለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ፣ ኣይሕለልን ክሳብ ዝሰምረለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ፣ እስዕሮ’ምበር ኣይስዕረንን ጸገመይ
ዘመስግን’ዩ ሕጉስ፣ ዝዕገስ’ዩ ሓያል
ዘዋህልል’ዩ ለባም፣ ይኣኽለኒ ምባል ዝፈልጥ’ዩ ሃብታም ክበሃል
ሰሚዐ
እንተ’ስ ኣሚነሉ እንተስ ክጸናናዕ ግን ተሳማሚዐ
ድሓን ክሓልፍ’ዩ እናበሉኒ’ኳ ብዓይነይ ርእየ
ኣቤት’ወ ክንደይ ‘ድዩ ሓሊፉ።
ተስፋ ኢዩ ደገፈይ፣ ተስፋ ኢዩ ሓይለይ
ደጋጊመ እጽዕር ክሳብ ዝሰምረለይ
ይጥዓም ይሕሰም ፍሽኽታ ኣመለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ፣ ኩሉ ጼይረ ፍሽኽታ ኣመለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ፣ ይጥዓም ይሕሰም ፍሽኽታ ኣመለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ፣ ኣይሕለልን ክሳብ ዝኾነለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ፣ እስዕሮ’ምበር ኣይስዕረንን ጸገመይ
ኩሉ ሓላፋይ’ዩ ኢለ ገሚተ
ኪንዮ ጋሻ ውሕጅ ጠሚተ
እጽዕር ኣለኹ ብተስፋ
ነዛ ሕማቕ እዋን ክሓልፋ
እጽዕር ኣለኹ ብዓቕመይ
ቃልስ’ስ መናብርተይ’ዩ ናይ ቀደመይ
ንግዚኡ’ኳ እንተሓየለኒ
እስዕሮ’ምበር ኣይስዕረንን ጸገመይ
እወ ምዃን ሕስብ ‘ንተበልኩዎ
ስፍሓት ሂወት ከምዝተረዳእኩዎ
ነቲ ጽቡቕ ዝበለጸ’ለዎ
ነቲ ሕማቅ ዝበኣሰ’ለዎ
ነቲ ጣዕሚ ዝጠዓመ’ለዎ
ነቲ ሕሰም ዝመረረ’ለዎ
ጫፍ ጽቡቕን ሕማቕን ዓቂነ
ከለልዮ ዋላ’ንተፈቲነ
ኣበይ ከይክእሎ ኣነ ሰብ ‘ዚ ኣነ
ፍሽኽታ ኣመለይ፣ ኩሉ ጼይረ ፍሽኽታ ኣመለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ፣ ይጥዓም ይሕሰም ፈገግታ ኣመለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ፣ ኣይሕለልን ክሳብ ዝምሰለለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ፣ እስዕሮ’ምበር ኣይስዕረንን ጸገመይ
ዓለም ከም ባሕሪ’ያ ከምዝበሃል
ክሕምብስ ዘይክእል ንኸይጥሕል
ሓቢርና’ንዶ ጸገምና ነቃልል
ክንባላሓት ዝያዳ ክንጋደል
ስለ’ቲ ሽግር ትወልዳ ንጥበብ
ብኣካል ብመንፈስ ንራኸብ
ሂወት ክነማሓይስ ክንላዘብ

ፍሽኽታ ኣመለይ፣ ኣይሕለልን ክሳብ ዝሰምረለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ፣ እስዕሮ’ምበር ኣይስዕረንን ጸገመይ
ክሳብ ዝኾነለይ
ክሳብ ዝሰምረለይ
ውቅያኖስ’ዩ ዓቕለይ
ትስፉው’ዩ ጠመተይ
ኣይዕገትን’የ ሰማይ’ዩ ደረተይ
ክሳብ ዝኾነለይ
ክሳብ ዝሰምረለይ
ኣይጽንቀቕን’ዩ ሓይለይ
ትስፉው’ዩ ጠመተይ
ኣይሕለልን ሰማይ’ዩ ደረተይ
ሰማይ ሰማይ ሰማይ ሰማይ ሰማይ’ዩ ደረተይ
ክሳብ ዝኾነለይ
ክሳብ ዝሰምረለይ
ውቅያኖስ’ዩ ዓቕለይ
ትስፉው’ዩ ጠመተይ
ኣይዕገትን’የ ሰማይ’ዩ ደረተይ
ክሳብ ዝኾነለይ
ክሳብ ዝሰምረለይ
ኣይጽንቀቕን’ዩ ሓይለይ
ትስፉው’ዩ ጠመተይ
ኣይሕለልን ሰማይ’ዩ ደረተይ
ሰማይ ሰማይ ሰማይ ሰማይ ሰማይ’ዩ ደረተይ
ክሳብ ዝኾነለይ
ክሳብ ዝሰምረለይ
ውቅያኖስ’ዩ ዓቕለይ
ትስፉው’ዩ ጠመተይ
ኣይሕለልን’የ ሰማይ’ዩ ደረተይ
ሰማይ ሰማይ ሰማይ ሰማይ ሰማይ…


Lirik lagu lainnya:

LIRIK YANG LAGI HITS MINGGU INI

Loading...