lirik.web.id
a b c d e f g h i j k l m n o p q r s t u v w x y z 0 1 2 3 4 5 6 7 8 9 #

lirik lagu ftsum beraki – seb kedem

Loading...

ሃለው ናይ ቀደም ሰብ
ዕድል’ዶ ኾን እርከብ?
ኮፍ ኢልና ነዕልለላ

ሕሉፍ ንዝክረላ
ካብ ኣእምሮይ ከይእለ
ጥዑም ጊዜ ንእስነት
ኣብ ዓይነይ እናመጽአ
ናፊቕካ ብኡነት

ጊዜ ዘይበልዖ የለን ሕልፍ እንተይሉ ኩሉ ይርሳዕ
ዝኽርኻ ግን እናሃለ ከም ፍቕሪ ኣደ ጣዕሙ ዘይውዳእ
ኣዝየ ዝከናኸነን ሓወልቲ ቐደም ስእሊ ጀምዓና
ይቕስቅሳኒ ኣለዋ ድሕሪት መሊሰን ገዛውትና

ኣውሎ ሓሳብ ነዋነዎ እቲ ውነይ
ብዝመጽአ ናስቆንቆነ እቲ ልበይ
ተራእይኒ ጊዜ ቁልዕነተይ
ዘይምለስ ሕሉፍ ኣብ ህይወተይ

ሓንቲ ዕድል እንተትህበኒ ዓለም
መዘርክዋ ናብ ቴስዓን ሸውዓተን
ጥንቅቕ ኢለ መሕለፍክዋ እታ ዓመት
ናይዚ ኹሉ ሽዑ እንድዩ እቲ ስሕተት

ዘይርሳዕ ታዕሊም ምውራድ ሳዋ
ምፍናው ናይ ስድራ ለበዋ
ስንቅና ኮሮንሾ ምስ ጥሕኒ
ጉዕዞና ብሓቦ ብፍቕሪ

እመጸኒ ስእሊ በብሓንቲ
ያህለለ: ኣኹድር: ሳልባቲ
ጭርጭር: ገበጣ: ሃክቲ
ጸወታ የዕሩኽ ገዛውቲ

ኣሎ ብዙሕ ዘይርስዖ
ወግሐ ጸብሐ ዘኾምስዖ
ህይወት ማእቶት ኣብ ክራማት
ጉዕዞ ንሳዋ ሓድሽ ህይወት
ዘይርሳዕ ንእስነት

ሰላምካ የብዝሓዮ ኣብ ዘለኻዮ ዓለም
ድሃይካ ኣይትሕባኣለይ ኣንታ ብጻይ ቀደም
ኣማን ብኣማንየይ መንቅብ ዘይብልካ
ልብኻ ንዚ ልበይ ቃለይ ነይሩ ቃልካ

ሕጂ’ውን ከምቲ ቐደም
ቃልካ ሃባ ንሰላም
ሕጂ’ውን ከምቲ ቐደም
ቃልይ እንካ ንሰላም

ኣብተን ሰላም ዓመት ዝነበረ ህይወት ትዝክርዎ’ዶ?
ስድራ ምስ ተመልሰ ካብ ኩናት ካብ ስደት ትናፍቕዎ’ዶ?
ደሓር ጽንሕ ኢልና ጸላም ተፈሪድና ፈቐዶ ኣበይቶ
ቦታና ኽንምለስ ድሕሪ ተሃድሶ ትዝክርዎ’ዶ?

ትዝክርዎ’ዶ?
ተስተንትንዎ’ዶ?
ትዝክርዎ’ዶ?
ተስተንትንዎ’ዶ?

ዓይንኻን ኣንቁሓዮ ኣብ ዘለኻዮ ዓለም
ንላዘብ ንረአአ ኣንታ ብጻይ ቀደም
ኣማን ቲኣማንየይ መንቅብ ዘይብልካ
ልብኻ ንዚ ልበይ ቃለይ ይኹን ቃልካ

ሕጂ’ውን ከምቲ ቐደም
ኢድካ ስደድ ንሰላም
ሕጂ’ውን ከምቲ ቐደም’የ
ሓደ ንኹን ንሰላም

ኣብተን ሰላም ዓመት ዝነበረ ህይወት ትዝክርዎ’ዶ?
ስድራ ምስ ተመልሰ ካብ ኩናት ካብ ስደት ትናፍቕዎ’ዶ?
ደሓር ጽንሕ ኢልና ጸላም ተኸዲንና ንዓዲ ኣበይቶ
ቦታና ኽንምለስ ድሕሪ ተሃድሶ ትዝክርዎ’ዶ?

ትዝክርዎ’ዶ?
ተስተንትንዎ’ዶ?
ትዝክርዎ’ዶ?
ተስተንትንዎ’ዶ?
ትዝክርዎ’ዶ?
ተስተንትንዎ’ዶ?


Lirik lagu lainnya:

LIRIK YANG LAGI HITS MINGGU INI

Loading...