lirik lagu abraham afewerki - ሓደራ
መልክዓ ማሪኹኒ ጠባያ መሲጡኒ ኣፍቂረያ
ሕሜት ሰብ ሰሚዓ ምስ ስቕትኣ ኽትጭነቕ ርእየያ
ባህሪኡ ብዙሕ’ዩ ናይ ወድ~ ሰብ ነገር ገሪሙኒ
ኣነ እንዳፍቀርክዋስ ኣጉል ትሒም ካብኣ ክፈልየኒ
ናይ ተፈጥሮ ጸጋ’ዩ ብፈጣሪ ዝመጸ
እምበር መን እሞ’ሎ ዘርኡ ዝመረጸ
ትሕቲ ሽፋን እቲ ረቂቕ ባህላዊ ነጸላ
እትርከብ ብጠባይ መሰታ ዘይብላ
ዘምሕረላ’ዩ ዘመናዊ ምስላ ኣዘውቲራ
መልክዐኛይ እንድያ መን ክወዳደራ
ሓደ ኣካል ሓደ መንፈስ ጽቡቕ ከለና
መን ይረብሕ ኣሃሃይ ተተፈላለና
ገርሂ ልብኺ ሕሰብ ናይ ሰብ ከይቅይራ
ከም ቀደምኪ ኩንለይ ሓደራ ሓደራይ
እስኪ ብዝፈትዎም እስኪ ብዘፍቅሮም ክግምቶ
ፈላላይ ልምዲ ብናይ ፍቕሪ ዋልታ ክምክቶ
በውራጃ: ብዘርኢ: ወይ ባህላዊ ፍልልይ ናይ እምነት
ኣይክዓግተንን’ዩ እንካብ ንጹህ ፍቕሪ ካብ ሕውነት
ናይ ተፈጥሮ ጸጋ’ዩ ብፈጣሪ ዝመጸ
እምበር መን እሞ’ሎ ዘርኡ ዝመረጸ
በቲ ሓደ ናይ ወገነይ ባህሊ ከኽብር
በቲ ሓደ ዘይክኣል ፍቕራ ኽጸውር
ሩሕ ናይ ልበይ ኣብ ፍቕራ ኣጥሒላቶ ንሳ
ብዘይ ብኣኣ ካብ ባሕሪ ከም ዝወጸ ዓሳ
ሓደ ኣካል ሓደ መንፈስ ጽቡቕ ከለና
መን ይረብሕ ኣሃሃይ ተተፈላለና
ገርሂ ልብኺ ሕሰብ ናይ ሰብ ከይቅይራ
ከም ቀደምኪ ኩንለይ ሓደራ ሓደራ
ከም ቀደምና ክንከውን ሓደራ ሓደራ
ክንፋቐር ሓደራ ሓደራይ
ምሳይ ኩኒ ሓደራ ሓደራ
ተስፋ ኹንኒ ሓደራ ሓደራይ
ከም ቀደምና ንፋቐር ሓደራ ሓደራ
ተስፋ ኹንኒ ሓደራ ሓደራይ
ከም ቀደምና ንፋቐር ሓደራ ሓደራ
ምሳይ ኩኒ ሓደራ ሓደራ
ተስፋ ኹንኒ ሓደራ ሓደራይ
ቅረቢ’ሞ ፍቕረይ ከምዛ ኸማይ ኩኒ
ኣብ ልብኺ ዘሎ ልቢ ንገርኒ
ክጽምው እንከሎ ከተጻውትኒ
ክርህው እንከሎ ኣብ ጎነይ ክትኮኒ
ክሓስም እንከሎ ተስፋ ኽትኮንኒ
Lirik lagu lainnya:
- lirik lagu indiea - my store
- lirik lagu urban cone - come back to me (faråker remix)
- lirik lagu drex carter & luser - diet
- lirik lagu tse vic - old roots
- lirik lagu wilson100k - mach was du willst
- lirik lagu kryo (deu) - letztes jbb / 4tel-finale #3a
- lirik lagu night and wind - belki de mutluluk kutumun içinde bir delik vardır (demo)
- lirik lagu dejan's olympia brass band - a la bas
- lirik lagu uyi o - you should know
- lirik lagu kristóman - all day